Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ባህላዊ ክብሪታት ምጥንኻር ይግባእ – እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ብምጥንኻር ሓበራዊ ተረባሕነት ንመርግጋፅ ዝኽግዙ ከም “ያሆዴ” ዝበሉ ባህላዊ ክብሪታት ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ማእኸላዊ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)፡፡

በዓል መለወጢ ዘበን ሃዲያ “ያሆዴ” ብዝተፈላለዩ ባህላዊ መደባት ኣብ ከተማ ሆሳእና ብድምቀት ተኸቢሩ፡፡

እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ዝደመቑ ባህሊታትን ቋንቋታትን ከምዘለዉዋን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም መለወጢ ዘበን ሃዲያ “ያሆዴ” ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

“ያሆዴ” ካብ ኣረጊት ናብ ሓዱሽ ዘበን ሕብረት ብምፅናዕ ብፍቕሪን ብደስታን ናይ ምስግጋር ወቕቲ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.