ሓበራዊ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ባህላዊ ክብሪታት ምጥንኻር ይግባእ – እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ብምጥንኻር ሓበራዊ ተረባሕነት ንመርግጋፅ ዝኽግዙ ከም “ያሆዴ” ዝበሉ ባህላዊ ክብሪታት ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ማእኸላዊ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)፡፡
በዓል መለወጢ ዘበን ሃዲያ “ያሆዴ” ብዝተፈላለዩ ባህላዊ መደባት ኣብ ከተማ ሆሳእና ብድምቀት ተኸቢሩ፡፡
እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ዝደመቑ ባህሊታትን ቋንቋታትን ከምዘለዉዋን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም መለወጢ ዘበን ሃዲያ “ያሆዴ” ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
“ያሆዴ” ካብ ኣረጊት ናብ ሓዱሽ ዘበን ሕብረት ብምፅናዕ ብፍቕሪን ብደስታን ናይ ምስግጋር ወቕቲ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!