Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ምንቅስቓስ ንግዲ ዘነቓቐሐ ስጉምቲ መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ክልል ትግራይ ብሰንኪ ናይ ጥፍኣት ኣካይዳ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ከቢድ ኢኮኖሚያዊ ምዝሕሓልን ዕንወት መሰረተ ልምዓትን ከም ዘጋጠሞ ይፍለጥ።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘለዐሎም ጎንፂታት ምንቅስቓሳት ንግዲን ሸንሸል ቀረብን መሰረታዊ ፍርያትን ብምቁራፅ ነበርቲ ንከቢድ ሕፅረት ኣቑሑት፣ ናህሪ ዋጋን ምጉዳል እቶትን ኣቃሊዖም ፀኒሖም እዮም።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ካብ ዝወስዶም ስጉምትታት ምኽባር ሕጊ ብተወሳኺ፤ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ኩነታቶም ንምምላስ ዓበይቲ ፃዕርታት ከካይድ ፀኒሑ እዩ።

ብመሰረት እዚ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ቴሌኮም፣ ኤሌክትሪክን ትራንስፖርትን ዳግም ብምጅማሮም ቅድሚ ሕዚ ተዳኺሙ ዝፀንሐ ምንቅስቓስ ንግዲ ከተማታት እቲ ክልል ናብ ስሩዕ ንጥፈተን ይምለስ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕዚ መንግስቲ ፌደራል ናብቲ ክልል ዝልእኾም ከም ነዳዲ፣ ዘይቲ ብልዒ፣ ሽኮርን ካልኦት ኣቑሑት መሰረታዊ ጠለባትን ካብ ህዝቢ ብምሕዳግ፤ ንዕላማታት ኲናት ንባዕሉ ክጥቀመሎም ምፅንሑ እውን ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን መሰረታዊ ፍርያት ናብቲ ክልል ብምእታው ናብ ሕብረተሰብ ክዝርግሑ እናገበረ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ምንቅስቓሳት ንግዲ ዳግም ክነቓቕሕ ገይሩ እዩ።

እዚ ቀረብ ብፍላይ ኣብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን ወረዳታትን እቲ ክልል ምርግጋእ ዕዳጋን ተበፃሕነት ኣቑሑትን ኣብ ምፍጣር ልዑል ኣስተዋፅኦ ይገብር ኣሎ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝጀመረ ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕን ምንቅስቓስ ንግዲን ብዘላቕነት ንምቕፃል፤ ምምሕዳር እታ ከተማ ምስ ሓለፍቲ ንግዲን ኣገልግሎታት መንግስቲን ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘተ ዘይሕጋዊ ንግዲ ምክልኻል፣ ምርግጋእ ዕዳጋ ምስፋሕን ማሕበረሰብ ንግዲ ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ ክኣቱ ዘኽእል ምቹው ኩነታት ምፍጣርን ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ትኹረት ተገይሩ።

ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ገብረህይወት ገብረስላሴ ኣብቲ እዋን ከም ዝገለፁዎ፤ ምንቅስቓሳት ንግዲ እታ ከተማ ብዘላቕነት ንምቕፃልን ሕጋዊ ስርዓት ንግዲ ንምስፋሕን ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ።

ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓታት ንግዲን ብዘይኣግባብ ዝግበሩ ወሰኽ ዋጋታትን ብምቁፅፃር፤ ስርዓት ንግዲ ብምዝማን ማሕበረሰብ ንግዲ ብዘይ ስግኣት ስርሑ ከካይድ ዘኽእሉ ስራሕቲ ይካየዱ ከም ዘለዉ እውን ገሊፆም።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝጀመረ ስጉምቲ ምቅልጣፍ ምንቅስቓሳት ንግዲ ናብ ካልኦት ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን እቲ ክልል ንኽስፋሕፋሕ ክሕግዝ እዩ።

መንግስቲ ሰላም ህዝቢ እቲ ክልል ንምሕላውን ኩነታት መነባብሮኡ ንምምሕያሽን ይወስዶም ዘሎ ስጉምትታትን ኣሰራርሓታትን ረብሓ ዜጋታት ቅድሚት ዝሰርዑን ንሰላም ቀዳምነት ዝህቡን እዮም።

ብእመቤት ሲሳይ

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.