ኣብ ከተማ ነቀምቴ ሓንቲ ኣደ ብሓንሳብ ሓሙሽተ ቆልዑ ተገላጊላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ነቀምቴ ሓንቲ ኣደ ብሓንሳብ ሓሙሽተ ቆልዑ ብሰላም ተገላጊላ።
ወ/ሮ ኣስቴር ተረፈ ነባሪት ከተማ ነቀምቴ እንትትኾን፤ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ሓንቲ ጓል ወሊዳ ነይራ።
ሕዚ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኮንፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብሓንሳብ ሓሙሽተ ቆልዑ ብሰላም ተገላጊላ።
ወ/ሮ ኣስቴር ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ብሰላም ምግላጋላ፤ኣብቲ ሆስፒታል በዓልሞያ ሕክምና ስፔሻሊስት ማህፀን ዶ/ር ቢቂላ ለሚ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም፡፡
እታ ኣደን እቶም ሓሙሽተ ቆልዑን ኣብ ፅቡቕ ጥዕና ከምዘለዉ ወሲኾም ሓቢሮም።
ብመብራቴ ሁንዴ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!