ሄቨን-1 ዝተባህለት ፈላማይ ውልቃዊ ጣቢያ ህዋ ክጅመር እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓለምና ፈላማይ ዝኾነ ሄቨን-1 ዝተብሃለ ጣቢያ ህዋ ክጅመር እዩ።
ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ዙርያ መሬት ዝርከቡ ዓለም ለኸ ጣቢያ ህዋ (ISS) ኣብ 2030 ዓ.ም.ፈ ግልጋሎት ምሃብ ደው ዘብል እንትኾን፤ እቲ ግዜ እናቐረበ ምኻዱ ስዒቡ ብሄራዊ ኤሮኖቲክስ ብሄራዊ ኣሜሪካን ምምሕዳር ኣየርን ህዋን(ናሳ) ምስ ዝተፈላለያ ናይቲ ዓውዲ ትካላት ንምግዛእ ምስ ንግዲ ጣቢያታት ህዋ ምስራሕ ጀሚሩ፡፡
ካብዞም ውልቃዊ ኩባንያታት ውሽጢ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝተጣየሸን ቫስት ዝተብሃለ ኩባንያ ምስ ስፔስኤክስ ብምትሕብባር ሄቨን-1 ዝተብሃለ ፈላማይ ንግዳዊ ጣቢያ ህዋ ንምጅማር እናሰርሐ ከምዝርከብ ፀብፃብ ሲኤንኤን ይሕብር።
ሄቨን-1 ጣቢያ ህዋ ኣብ ግንቦት 2026 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፋልኮን 9 ዝተብሃለ ሮኬት ተጠቒሙ እቲ ጣቢያ ግልጋሎት ንምጅማር ምትላሙን ንሰለስተ ዓመታት ዝፀንሕ ተገይሩ ምስርሑ ተሓቢሩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም