ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ጨንፈር ቦሌ ስራሕ ኣጀሚረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ጨንፈር ቦሌ ብምምራቕ ስራሕ ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ህዝቢ እናሓተተን ቅርታ እናቕረበን ዝነበረ ዘፈር ኣገልግሎት ንምዝማን ትኹረት ሂቡ እየተሰርሐ ይርከብ።
ነዚ ድማ ኣብታ ከተማ 5 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ካብ ዝተጀመረ ኣገልግሎት ጋደማ ማእኸል መሶብ ብተሳኺ ኣብ ካልኦት ክፍለ ከተማታት ናይ ምስፍሕፋሕ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ጨንፈር ቦሌ ናይዚ መርአያ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።
ኣብታ ከተማ ኣብዚ ሕዚ እዋን 107 ኣገልግሎታት ዲጂታላይዝ ተገይሮም ህዝቢ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ክረክብ ከምዝተገበረ ገሊፀን።
ብታሪኩ ለገሰ