Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ቦቆል ፍልጠትን ትውፊትን እንከይተጓጎደለ ንትውልዲ ንክመሓላለፍ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር ቦቆል ፍልጠትን ትውፊትን እንከይተጓጎደለ ንትውልዲ ንክመሓላለፍ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን።

ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን፣ ኢንስቲትዩት  መርምር ኣርማወር ሃንሰንን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ማእከላዊ ክልል ኢትዮጵያን ምስ ዞባ የም ብምትሕብባር፥ ኣብ ብሄረሰብ የም ሲምፖዚየም ኣፍልጦን ኣጠቓቕማን ባህላዊ መድሓኒት ኣሳሊጦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ወ/ሮ ነፊሳ ኣልማህዲ፥ ኢትዮጵያ ፍሉይ መግለፂታታን ሃፍቲታታን ብዝግባእ ምልማዕን ምጥቃመን ይግባእ ኢለን።

ኣቦታት ተኸናኺኖም ዘፅንሕዎ ሃገር ቦቆል ፍልጠትን ትውፊትን እንተይተጓደለ ንትውልዲ ንምምሕልላፍ ጠመተ ተዋሂቡዎ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ብመፅናዕቲን ምርምርን ተሓጊዙ ፀገም ማሕበረሰብ ንምፍታሕ መስ ዩንቨርስቲታት ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፀን።

ንባህላዊ መድሓኒት ዝውዕሉ እፅዋታት ኣብ ዞባ የም ንምልማዕ እቲ ሚኒስቴር ድልው ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብተስፋሁን ከበደ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.