መንግስቲ መደመር ንሃገራዊ ሓድነትን ሓባራዊ ምዕባለን እናሰርሐ ይርከብ – ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ መደመር ንሃገራዊ ሓድነትን ሓባራዊ ምዕባለን እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚደንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
2ይ ጉባኤ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ፣ “ዕቤት ምምሕዳር፤ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ ሓንፀፅቲ ንድፊ ቀፃሊ ዕጫ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ እዮም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ፓርቲታት ፖለቲካ ብበዝሒ ኣባላቶምን ኣወዳድባኦምን ጥራሕ ዘይኮነስ ዘለዎም ዓቕሚ ናብ ዝሓየለ ትካላዊ ብቕዓት ብምልዋጥ ኣብ ህይወት ህዝቢ ብዘምፅእዎ ጭቡጥ ለውጢ ክምዘኑ ኣለዎም።
ፓርቲታት ፖለቲካ ሓሳባት ዘፈልፍሉ፣ መራሕቲ ዘፍርዩን ድሕሪ ንሕንሕ መረፃ ድማ ስራሕቲ ልምዓት ዘቐፅሉ ትካላት ክኾኑ ከምዘለዎም ገሊፆም።
ፓርቲ ብልፅግና ብፍልስፍና መደመር ዝተፈላለዩ ሰባት፣ ትካላትን ዓቕምታትን ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ብምእካብ ንሃገራዊ ሓድነትን ሓባራዊ ምዕባለን እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
እቲ ፓርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላዊ መሰረታት ዝመፅኡ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ሓደ ሃገራዊ ፓርቲ ብምምፃእ ሓባራዊ ዜግነት ንምጥንኻር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም።
ፓርቲ ብልፅግና ልዕሊ 16 ነጥቢ 9 ሚልዮን ኣባላትን ኣብ መላእ ሃገር ዝተዘርግሑ ውዳበታትን ከምዘለውዎ ብምፅራሕ፤ በዝሒ ኣባላትን ኣወዳድባን ናብ ትካላዊ ሓይሊ ንኽቕየር ቀፃሊ ህንፀት ዓቕሚ መሪሕነትን ኣባላትን ውሽጣዊ ዲሞክራሲን ተሓታትነትን ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ስርዓት ገምጋም ኣፈፃፅማ እቲ ፓርቲ ብቕዓትን ተኣማንነትን ንምትብባዕ፣ ድኽመታት ንምልላይን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ከምዝሕግዝ እውን ገሊፆም።
ዕቤት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውሽጣዊ ፀጋታትን ዓቕምን እታ ኣህጉር ናብ መፍረያይነት ኣብ ምቕያር ከምዝምስረት ኣልዒሎም።
ፓርቲታት ፖለቲካ ንፁር ኣንፈት ብምቕማጥ ኢንቨስትመንት ብምትብባዕ፣ ሓይሊ ሰብ ብምብቃዕን ዘላቒ ዕቤት ዝድግፉ ትካላት ብምጥንኻርን ዝለዓለ እጃም ክፃወቱ ከምዘለዎም ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካን ካልኦት መድረኻት ዘተን ምስ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ብዛዕባ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ዘተ ከምዝካየድ ገሊፆም።
ካብ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ዝመፅኡ ልዕሊ 275 መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ህዝቢ ክሳተፉ ምኽኣሎም እውን ፀሪሖም።
እቲ ጉባኤ ፓርቲታት ፖለቲካ ተመኩሮን ሓሳባትን ዝለዋወጡሉ፣ ድምፂ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ፣ ምሁራንን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ዝሓቖፈ መድረኽ ንክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብመሳፍንት ብርሌ