ኣብ ኢትዮጵያ ዘድሊ ብሕታዊ መገዲ ሰለማዊ ሽግግር ስልጣን ጥራሕ ኢዩ -ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት ኮሪደር መርኣዪ ቦታን እዋንን ዝልውጥ ኢዩ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ሰላምን ፀፅታን ጠሚቶም ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይደሊያ ሃገራት ብኲናት ከምዘይስዕራና ይፈልጣ ኢየን ኢሎም።
ዘለዎም ኣማራፂ ባንዳታት ምልኣኽ ኢዩ ብምባል፥ ንኢትዮጵያ ብዝግባእ ዘይፈለጡ ናይ ውሽጢ ባንዳታት ድማ መስ ፀላኢ ብምትሕብባር ዕላመኦም ዘዐውቱ ይመስሎም ኢሎም።
እዚ ፈፂሙ ክዕ”ወት ከምዘይኽእል ኣገንዚቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘድሊ ብሕታዊ መገዲ ሰለማዊ ሽግግር ስልጣን ጥራሕ ኢዩ ኢለም።
መንግስቲ ፀገማት ኣለዉኒ ምስ ዝብሉ ኣካላት ኮፍ ኢልካ ብምዝርራብ ፀገማት ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ሐዚ እውን ክፍቲ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።