ናብራ ማሕበረሰብ ገፀር ንምምዕርራይ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ- ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናብራ ማሕበረሰብ ገፀር ንምምዕርራይን ፍሪያት ንምስሳንን ዝተጀመረ ስራሕ ኩለመዳያዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዘረጋግፅ ኢዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ትማሊ ኣብ ከልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ኣተኣኻኽባ ፍሪያት ስርናይ ዝጠመተ ዑደት ብምክያድ ስራሕቲ ሕርሻ ስርናይ ሓጋይ ኣጀሚሮም።
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ደሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ናብራ ማሕበረሰብ ገፀር ንምምዕርራይ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።
መንግስቲ ከተማታት ንምቕያርን ንነበርተን ምቹኣት ንምግባርን ከምኡውን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ክብ ንምባል ይሰርሕ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዝሓ ማሕበረሰብ ዝነብር ኣብ ገፀር ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ መንግስቲ ኣብ ገፀር ዝነብሩ ዜጋታት ናብርኦም ንምምዕርራይን ፍሪያት ንምስሳንን ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!