ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ እታ ከተማ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሺሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ እታ ከተማ ተዛቲዮም።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብታ ከተማ ተግባራዊ ንምግባር ዝተተለመ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ንዕቤት ኢኮኖሚ ዘለዎ ኣበርክቶ፣ ዝፈጥሮም ዕድላት ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ከምኡ እውን ተሳትፎ ማሕበረሰብ ንግዲ ንምጥንኻር ዝዓለመ ምኽክር ተኻይዱ።
እቲ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር፤ ካብ ምምሕያሽ ምስሊ ከተማ መቐለ ሓሊፉ፤ ዘበናዊ መሰረተ ልምዓት ብምህናፅ ንንግዲ ምቹው ኩነታት ንምፍጣር፣ መስሕብ ቱሪዝም እታ ከተማ ንምዕባይን ሓደሽቲ ዕድላት ኢንቨስትመንት ንምፍጣርን ከምዘኽእል ተላዒሉ።
ግደ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ከይዲ ልምዓት እታ ከተማ ምስ ትካላት መንግስቲን ኣካላት ኣፈፀምቲ እቲ ፕሮጀክትን ብምትሕብባር ክስርሐሉ ዝኽእሉ ኩነታት፣ ከምኡ እውን ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮጀክት ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ።
ብፍላይ እቲ ፕሮጀክት ዝተሓሰቦ ውፅኢት ንኽርከብ፤ ንጡፍ ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ፣ ምትሕብባር ሰብሃፍቲን ነጋዶን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ኩሎም ተዋሳእቲ ወገናት ሓባራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ወሳኒ ምዃኑ ትኹረት ተዋሂብዎ።
ልምዓት ኮሪደር ኣብታ ከተማ ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ካብ ምፍጣርን ንጥፈታት ንግዲ ካብ ምንቅቓሕን ብተወሳኺ፤ ዓቕሚ ኢኮኖሚ እታ ከተማ ብምጥንኻር ዘላቒ ዕቤት ንምርግጋፅ ዘለዎ ረብሓ ኣብቲ መድረኽ ተዳህሲሱ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ፕሮጀክት ከተማ መቐለ ዘበናዊት፣ ማእኸል ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምግባር ብመንፅር ዝተትሓዘ ትልሚ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ንግዲን ቀፃሊ ምትሕብባርን ወሳኒ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብግዛቸው ግርማዬ