መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መበል 21 ኤርባስ ኤ350-900 ኣውሮፕላን ተረኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መበል 21 ኤርባስ ኤ350-900 ኣውሮፕላን (ET-BCE) ሎሚ መዓልቲ ተረኪቡ፡፡
እቲ መገዲ ኣየር ኤርባስ ኤ350-900 ኣውሮፕላን ምርካቡ ንመገደኛታት ዝህቦ ዘበናዊን ምቹውን ኣገልግሎት ብዝሐሸ መገዲ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ገሊፁ።
ካብዚ በወተወሳኺ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ዘለዎ ግደ መሪሕነት ክቕፅል ዝገብር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!