ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ 5ይ ዓመት ይዝከር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ 5ይ ዓመት ይዝከር ኣሎ።
እቲ ዕለት ኣቢሾፍቱ ማእኸል መሰልጠኒ ኣየር ወለድ “ኣይድገምን፤ ኣይንርሰዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተዘከረ ዝርከብ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝዝክሩ ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተወገኑ ይርከቡ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ምክትል ኢታማዦር ሹም ጀነራል ኣበባው ታደሰ ከምኡ እውን ጀነራል መኮንናት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተሳቲፎም።
ብኣንዷለም ተስፋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!