Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ልምዓት ሓይሊ ኒውክሌር ጋህዲ ንምግባር ብምትሕባብር ክንሰርሕ ኢና – ኣምባሳደር ኢቭጌኒ ተርኪሂን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ልምዓት ሓይሊ ኒውክሌር ጋህዲ ንምግባር ብምትሕባብር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተርኪሂን፡፡

ኣምባሳደር ኢቭጌኒ ተርኪሂን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝጠቕሙ ጉዳያት ብምዝታይ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ፕሮጀክት ልምዓት ሓይሊ ኒውክሌር ንምዕት ሩሲያ ዝሐሸ ልምዲን ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብን ዘለዋ ከምዝኾነት ብምሕባር÷ እቲ ፕሮጀክት ጋህዲ ንኽኸውን ብምጽኽብባር ከምዝሽራኽ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።

ተመራማሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣፍሪካ ተመራማሪ ዝኾኑ ሚፍታህ መሓመድ ብግደኦም÷ ዝማዕበላ ሃገራት ዝፍለጣ ብቴክኖሎጂአን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ኣብ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ዝጀመረቶ ምንቅስቓስ ካብ ሕርሻ ናብ ቴክኖሎጂ ዝመርሖ ኢኮኖሚ ንእትገብሮ ስግግር ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ልምዓት ኒውክሌር ካብ ዘለዎ ዓቕሚ ኢነርጂ፣ ኢንቨስትመንት፣ ኢንዱስትሪን ስግግር ፍልጠትን ሓዊሱ ኩለመዳይ ረብሓታት ከምዘርክብን ተሰማዕነት ሃገራት ከምዝውስኽን ገሊፆም።

ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ኒውክሌር ልዑል ዓቕሚ ከምዘላ ብምሕባር÷ ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዓውዲ ዝገበረኦ ስምምዕነት ብትኽክል ክትግበር ዝኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.