Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪ C-130 ኣቑሑት ዝፅዕና ወታደራዊ ኣውሮፕላናታ ካብ በረራ ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጆርጂያ ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ  ስዒቡ ቱርኪ C-130 ኣቑሑት ዝፅዕና ወታደራዊ ኣውሮፕላናታ ካብ በረራ ኣጊዳ።

ንብረት ሓይሊ ኣየር ቱርኪ ዝኾነት C-130 ኣቑሑት ትፅዕን ወታደራዊ ኣውሮፕላን ትማ ካብ ኣዘርባጃን ተበጊሳ ናብ ቱርኪ በረራ ኣብ ትገብረሉ እዋን ተሓምሺሻ ህይወት 20 ሰባት ምሕላፉ ይዝከር።

ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲብ ጣይብ ኤርዶሃን ኣብቲ እዋን ስብርባር እታ ኣውሮፕላን ናይ ምምላስን መበገሲ ምኽንያት እቲ ሓደጋን ናይ ምፅራይ ስራሕቲ እናተወገኑ ከምዝኾኑ ገሊፆም ነይሮም።

በዚ ድማ ቱርኪ C-130 ኣቑሑት ዝፅዕና ወታደራዊ ኣውሮፕላናታ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ በረራ ምእጋዳ ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃር ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ዝተመሓላለፈ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ካልኦት C¬-130 ኣውሮፕላናት ምርመራ ቴክኒክ ስለዘድልየን ከምዝኾነ ኤኤፍፒ ፀብፂቡ።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.