ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ዋና ዳይሬክተር ኣይኤምኤፍ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ) ክሪስታሊና ጂኦርጂየቫ ተዛቲዮም፡፡
እቲ ዘተ ጎድና ጎድኒ ኣብ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ ዝርከብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ዝተገበረ ኢዩ፡፡
በዚ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ ዝንባለታት ኢኮኖሚን፣ ኢኮኖሚ ሪፎርም ኢትዮጵያን ብትኹረት
ከምዝተዛተዩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡
ከምኡ እውን ምትሕብባርና ብምጥንኻር ዘላቒን መካተቲን ዕቤት ንምድጋፍ ኣብ ዘኽእሉ ዕድላት ብምድሃብ ከምዝተዛተዩ ኣመልኪቶም።
ንኣይ ኡም ኤፍ ዘላቒ ርክብ ምስጋናይ ዘቕረቹ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ ሓበራዊ ትኹረታት ንምፍፃም ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!