ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 20 ውፅኢታዊ ኣኼባታት ተኻይዶም – ቢልለኔ ስዩም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 20 ዘዕግብን ውፅኢታዊን ኣኼባታት ተኻይዶም ኢለን ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም።
ቢልለኔ ስዩም ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ተሳትፎ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ ከምዝበለኦ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 20 ዝገበሩዎ ተሳትፎ ዘዕግብን ኣዚዩ ውፅኢታዊን ኣኼባታት ኣካይዶም።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝነበረ ፃንሒት ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲን ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላትን ተዛቲዮም ኢለን።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፤ ኣብ ክልተኣዊ ርክብን ሓበራዊ ኣጀንዳ ሃገራት ኣፍሪካን ንኽህልወን ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ተመያይጦም ኢየን ኢለን።
ምስ መራሕቲ ሃገራት ፈረንሳይን ጣሊያንን ኣብ ዝተገበሩ ልዝባት ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ዑደት ዝተገበሩ ስምምዓትን ከይዲታትን ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ፀሪሐን።
ምስ መራሕቲ ሃገራት ህንዲ፣ ደቡብ ኮሪያ፣ ቪየትናም፣ እንግሊዝ፣ ፊንላንድ፣ ኖርዌይን ኔዘርላንድስን ክልተኣዊ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ተዛቲዮም እውን ኢለን፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት፣ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓን፣ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)፣ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለምን ምስ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸን ኣህጉራዊን ትካልት ከምዝተዛተዩ ሓቢረን።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 20ን ኢንቨስትመንታት ውልቀ ንምስሓብ ኣብ ዝተመሰረተ መድረኽን መደረ ከምዘስምዑ ብምሕባር፤ ብሓፈሻ ኣዚዩ ዕዉት ዝበሃል ፃንሒት ከምዝነበረ ኣብሪሀን።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!