ኣብ ከተማ ደሴ ሰላም ንምፅናዕ ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ “ሃይማኖት መሰረት ሰላም እዩ” ብዝብል ጭርሖ ሰላም ንምፅናዕ ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ደሴ ብፎረም ጉባኤ ሃይማኖት ምድላው እናተኻየደ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ሰላም ኣብ ምፅናዕ ጠመተ ዝገበሩ መልእኽቲ የመሓላልፍ ኣሎ።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኲናት ደው ይበል ሰላም ይፅናዕ፣ሰላምን ሓድነትን ምትሕግጋዝን ምስ ሃይማኖታዊ ትካላት እዮም፤ ትካላት ሃይማኖት ዝግበር ዘተ ጎንፂታት ንምፍታሕ ወሳኒ እዩ፡፡
ሃይማኖታዊ ክብርታትና መሰረት ሓድነትናን ሓይልናን እዮም ዝብሉ መልእኽትታትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ትሕዝቶ ዘለዎም መልእኽቲታት ይመሓላለፉ ኣለው፡፡
ብከድር መሓመድ