Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ንህዝቢ ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት ኣካይዱ ኢዩ – ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ንህዝቢ ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት ኣካይዱ ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፡፡

“ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌዴራልን ክልልን ምስ ነበርቲ ከተማ ጎንደር ህዝባዊ ዘተ ኣካይዶም።

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ከተማ ጎንደር ዓይኒ ዝቐልዕ ስራሕቲ ልምዓት ከምኡ እውን ሃገራዊ መልክዕ ዘለዎም ስራሕቲ ልምዓት እናተወገኑ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

መንግስቲ ንኢትዮጵያ ዝመስል ስርዓት ዴሞክራሲ ንምህናፅ እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር÷ በቢእዋኑ ዝፍጠሩ ፀገማት እናፈትሐ ጎድና ጎድኒ ድማ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን እናመለሰ ይርከብ ኢለን።

ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ኣብ ኩሎም ኩርናዓት መካተቲ ዝኾኑ ስራሕቲ ልምዓት ከም ሃገር ከምዝተፈፀመ ብምሕባር÷ ዝተማለአ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ቀፃሊ ንምክያድ ምስ ህዝቢ ምዝታይ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪተን።

ብምናለ ኣየነው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.