ወዲ ሰብ ምስ ተፈጥሮ ተነፂሉ ክነብር ኣይኽእልን – ኣይተ ኩመራ ዋቅጅራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ወዲ ሰብ ምስ ተፈጥሮ ተነፂሉ ክነብር ኣይኽእልን ኢሎም ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ኣይተ ኩመራ ዋቅጅራ፡፡
ኣይተ ኩመራ ዋቅጅራ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ልዕሊ 30 ዓመታት ብበዓል ሞያነትን ኣመራርሓነትን ኣገልጊሎም ኢዮም።
ኣብዚ ዓመት ድማ ተዓዋቲ ሽልማት ሓለዋ ከባቢ ልኡል ዊልያም ኣፍሪካ ኢዮም።
ኣብቲ ዓውዲ ንዘበርከቱዎ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኢዩ ኣብ ለንደን ብሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ልኡል ዊሊያም ተሸላሚ ክኾኑ ዝኸኣሉ።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ ኣይተ ኩመራ ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፤ ወዲ ሰብ ምስ ተፈጥሮ ተነፂሉ ክነብር ኣይኽእልን ክብሉ ተዛሪቦም።
እቲ ሽልማት ከምዘሕጎሶም ዝሓበሩ ኣይተ ኩመራ፤ እቲ ውፅኢት ሓራዊ ፃዕሪ መሳርሕተይ፣ ሕብረተሰብን መንግስቲን ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ወለጋ ሆሮጉድሩ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣይተ ኩመራ፤ ካብ ዕሸል ዕድሚኦም ጀሚሮም ኣብ ፀወታኦም ፈጠራ ዝተሓወሶ ፀወታ ከምዝመርፁ ይዛረቡ።
ሽመይ ቅድሚ ምውላደይ ኢዩ ወፂኡለይ ዝብሉ ናይ ሕዚ ተመራማሪ፤ ኣቦኦም ንሰብ ካብዘለዎም ሃንቀውታን ድሌትን ዝተልዓለ ኩመራ ዝብል ስያመ ከምዝሃቡዎም ይገልፁ።
ትርጉሙ ድማ ልዕሊ ሺሕ ማለት ኢዩ።
ኣብ ቁልዕነት ዕድሚኦም ንትምህርቲ ልዑል ትኹረት ከምዝህቡ ዝገለፁ እቶም ተመራማሪ፤ ነዚ ድማ ኣቦኦም ንትምህርቲ ዘለዎም ትኹረትን ደቆም ናይ ምምሃር ሃንቀውታ ከምዝኾነ ብናእዳ ይዛረቡ።
ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ስድራ ብምክብባር፣ ብምፍታውን ብፍቕሪን ዝዓበዩ ኣይተ ኩመራ፤ ኣናእሽቲ ንዓበይቲ ዝእዘዙሉ ዓበይቲ ድማ ንምንኣሳታቶም ዝከናኸኑሉ ጥዑም ናይ ቁልዕነት ህይወቶም ዘይርሳዕ ከምዝነበረ ይዝክሩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!