ማሕለኻታት ኣፍረይቲ ኢዱስትሪታት ንምፍታሕ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ካውንስል ኣፍረይቲ ኢዱስትሪታት ኣብ ከተማ ደብረሃን ኣፍረይቲ ኢዱስትሪታት ዝገጥኑዎም ማሕለኻታት ንምፍፍታሕ ዝዓለመ ዑደት እናካየደ ይርከብ።
እቲ ዑደት ብሄራዊ ካውንስል ኣፍረይቲ ኢዱስትሪታት ኣምባሳደር ግርማ ብሩ ዝተመርሐ እንትኸውን፤ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ሚኒስትር ሕርሻን ኣዲሱ ኣረጋን ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ተሳቲፎም።
ከምኡ እውን ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ደበሌ ቃበታ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብቲ ዑደት ተረኺቦም።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ዑደት ኢዱስትሪታት ዝርከቡሉ ነባራዊ ኩነታት ምዕዛብን እናጋጠሙ ዝርከቡ ማሕለኻታት ተዋዲድካ ንምፍታሕ ዘኽእል መፍትሒ ንመሃብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣፍረይቲ ኢዱስትሪታት ዝርከቡሉ ከይዲ ምፍራይን እናጋጠሙዎም ዝርከቡ ማሕለኻታትን ንብሄራዊ ካውንስል ኣፍረይቲ ኢዱስትሪታት ኣቕሪቦም።
ብኣለምሰገድ ኣሳዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!