ትካላት ትምህርቲ መሕለዊ ድሌት ፖለቲካ ተገይረን ፀኒሐን ኢየን – ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትምህርቲን ፖለቲካን ስለዝተደበላለቑ ትካላት ትምህርቲ መሕለዊ ድሌት ፖለቲካ ተገይረን ፀኒሐን ኢየን ኢሎም ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፡፡
ሚኒስቴር ትምህርቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትምህርቲ ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ተዛቲዮም።
ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተበፃሕነት ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ ይሰራ እምበር ኣብ መዳይ ፅሬት ትምህርቲ ስርዓት ትምህርቲ ኣብ ፀገም ኣቲዩ ፀኒሑ፡፡
ትምህርቲን ፖለቲካን ስለዝተደበላለቑ ትካላት ትምህርቲ መሕለዊ ድሌት ፖለቲካ ተገይረን ከምዝፀንሓ ተዛሪቦም።
ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብቲ ዓውዲ ብዙሓት ተግባራት ሪፎርም ተሓንፂፆም እናተተግበሩ ከምዝርከቡ ገሊፆም።
ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉዋ ፀጋታት ብምድሃብ ትርጉም ዘለዎም ፈጠራ፣ መፅናዕቲን ምርምርን ዝግበረሎም ክኾኑ ይግባእ ኢሎም።
ዩኒቨርሲቲታት ርእሰን ዘመሓድራ(ራስ ገዝ) ንኽኾና ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ እንትኾኑ ምደባ ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ካብ መንደር ወፂኡ ብውድድር ንኽኸውን እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ባይሳ ለታ (ዶ/ር) ብግደኦም ውፅኢታዊ ንምዃን ኣብ ፅሬት ትኹረት ክንህብ ይግበአና ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!