Fana: At a Speed of Life!

ኣልጄሪያ ዘካየደቶ ምሕምባብ ሳተላይት ዕቤት ህዋ ሳይንስ ኣፍሪካ ዘርኢ ኢዩ – መሓሙድ ዓሊ ዩሱፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣልጄሪያ ዘካየደቶ ምሕምባብ ሳተላይት ዕቤት ህዋ ሳይንስን ዓቕሚታት ጂኦስፓሻልን ኣፍሪካ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡፡

ኣልጄሪያ “ኣልሳት-3 ኤ” ዝተሰመየ ሳተላይት ምልከታ መሬት ብዕዉት ኩነታት ናብ ህዋ ክተሕምብብ ምኽኣላ ስዒቡ እቶም ኣቦ መንበር መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ኣልጄሪያ ዘካየደቶ ምሕምባብ ሳተላይት ኣብ ኣመራርሓን ህዋ ሳይንስን ዘላቒ ልምዓት ሳተላይት ቴክኖሎጂታት፣ ንክትትል ሓለዋ ከባቢ፣ ንምንካይ ስግኣት ሓደጋ ከምኡ እውን ኣብ ሓበረታ ዝተመስረተ ፖሊሲ ንምሕንፃፅ ዘለዋ ቆራፅነት ከምዘርኢ ኣመልኪቶም።

እቶም ኣቦ መንበር ዕዉት ምሕምባብ ሳትላይት ምልከታ መሬት ኣልጄሪያ ልዑል ዕቤት ህዋ ሳይንስን ዓቕሚ ጂኦስፓሻልን ኣፍሪካ ከምዘርኢ እውን ኣብሪሆም።

ካብታ ሳትላይት ዝርከብ ሓበሬታ ምስ ኣጀንዳ 2063፣ ምስ ፖሊሲ ጠፈርን ስትራቴጂን ኣፍሪካ ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ንሃገራዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣልጄሪያ እትውግኖም ቀፀልቲ ኢንቨስትመንታትን ጉዕዞታት ህዋን ንሓበራዊ ዕቤት ኣፍሪካ ዝሕግዙ ከምዝኾኑ እውን ኣልዒሎም።

ሕብረት ኣፍሪካ ምሕምባብ ሳተላይት ዝምልከቱ ዓለም ለኸ ምትሕብባራት ንምቕባል ድሉው ከምዝኾ ኣፅንኦት ሂቦም።

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.