ካፍ ንኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ካብ ስራሕ ኣጊዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ)ካፍ ንኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ፔፔ ቲያው ካብ ስራሕ ኣጊዱ፡፡
ካፍ ኣብ ፍፃመ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሴኔጋልን ሞሮኮ ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ዝተርኣዩ ጉድለታት ስነ ምግባር እናመርመረ ምፅንሑ ኣፍሊጡ፡፡
ካፍ ብዝገበሮ ምርመራ ኣሰልጣኒ ፔፔ ቲያው ናይቲ ዕለት ዳይና ዝነበሩ ጂን ጃኩዌስ ናዳላ ውሳነ ብዘይ ምቕባል ተፃወትቲ ሜዳ ለቒቖም ንኽወፅኡ ትእዛዝ ምሃቦም ኣረጋጊፀ ኢሉ፡፡
በዚ ድማ እቲ ኣሰልጣኒ ካብ ኣሰልጣናይነት ስረሖም ንኽእገዱ ካፍ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡
ነቲ ውሳነ ስዒቡ ድማ፤ እቲ ኣሰልጣኒ ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ኣብ ዘሰናደአኦ ፅዋዕ 2026 ዓለም ሃገራዊት ጋንታኦም ዘይክመርሑ ከምዝኽእሉ ኣፍሪካን ቶፕ ስፖርት ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!