ብኣማራፂታት መለኣኣኽቲ ዝፍፀሙ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክኻል …
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዜጋታት ብዋትሳፕ፣ ቴሌግራምን ካልኦት ብኣማራፂታት መለኣኣኽቲ ዝፍፀሙ መጥቃዕቲ ሳይበርን ምጭብርባርን ተግባራት ተቓላዕቲ ከይኾኑ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ ኢሉ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን (ኢመደኣ)።
ኢመደኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታል መርበብ ሓበሬታ ምስፍሕፋ ስዒቡ ብዋትሳፕ፣ ቴሌግራምን ካልኦት ፕላትፎርታትን ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍነዉ ተግባራት መጥቃዕቲ ሳይበርን ምጭብርባርን ብዘተሓሳስብ ኩነታት እናወሰኹ ከምዝመፅኡ ኣመልኪቱ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ሲምፖዚዬማት፣ ዓለም ለኸ መድረኻን ናይ ኦንላይን ኣኼባታትን ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃ፣ም ገበነኛታት ሳይበር ናይዞም መድረኻት ሽም ንናይ ሕሶት ተግባራቶም መጥቀሚ እናገበሩ ከምዝርከቡ ሓቢሩ።
እዞም ኣካላት ውልቃዊ ሓበሬታ ማሕበረሰብ ንምስራቕ፣ ናይ ባንኪ ሒሳባት ንምምዝባርን ዲጂታል ድሕንነት ንምዝባዕን ብዝተዋደደ መልክዑ እናሰርሑ ከምዝኾኑ እቲ ምምሕዳር ብኽትትልን ብምርመራን ኣረጋጊፀ ኢሉ፡፡
እቶም ኣጭበርበርቲ “ንተሳተፍቲ እቲ ሲምፖዚዬም ዝተሰናደአ ናፃ ናይ ኢንተርኔት ፓኬጅ”፣ “ፍሉይ ሙቑፃር ስራሕ” ወይ እውን “እዚ ናይ ኣኼባ መሳተፊ ሊንክ ኢዩ፤ ከፊቶም ይእተዉ” ዝብሉ ዘሰሓሕቱን ማራኺን መልእኽቲታት ብምግዋሕ ተጠቀምቲ ኣብቲ መልእኽቲ ዝተቐመጠ ሊንክ ንኽጥውቑ ዝገብር ኢዩ፡፡
ከምዝ ዝበለ መጥቃዕቲ ካብ ውልቀሰባት ሓበሬታ ካብ ምስራቕ ሓሊፉ ኣብ ኢዶም ዝርከቡ ሚስጥራዊ ሓበረታታት ኣብ ኢድ ጠለፍቲ ንኽወድቁ ብምግባር ኣብ ድሕንነት ሃገርን ሉኣላዊነትን ልዑል ሓደጋ ዘንፀላሉ ከምዝኾነ እቲ ምምሕዳር ኣተሓሳሲቡ።
ስግኣታት ድሕንነት ሳይበር ንምንካይ፣ ትካላት ውልቀን መንግስቲን ከምኡ እውን ማሕበረሰብ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ኢመደኣ ኣገንዚቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!