ጉዳያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ትልምታት ልምዓት ንምእታው ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ጉዳያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ትልምታት ልምዓት ውሽጢ ንምእታው ብስርዓት ንክመርሑ ስትራተጂካዊ ተግባራት ብትኹረት ይስርሑ ኣለው ኢሉ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዓውዲ ለውጢ ከባቢ ኣየር ናይ 6 ወርሒ ገምጋም ኣፈፃፅማ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፅዋር፣ ህንፀት ኢኮኖሚ ሓምለዋይ ልምዓትን ሓለዋ ከባቢን ናይ ህልውናን ጉዳይ ልምዓትን ገይራ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍሉይ ትኹረት ዝተተግበሩ ስትራተጂታት ግህዱን ፍረ ዘለዎን ውፅኢታት ይምዝገቡ ከምዘለው ኣረዲኦም፡፡
መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ትሑት ልቀት ካርቦን፣ ብቑዕ ኣጠቓቕማ ሃፍቲን ንኹሉ ዝሓቁፍ ልምዓትን ትኹረትን ብቆራፅት ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ስራሕቲታት ብተግባር ተረጋጊፁ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ ኣብነት ብልፅና ኣፍሪካ ንምዃን ዘለዋ ራእይ ምህናፅ ኩነታት ኣየር ዝፃወር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኣገዳሲ ምዃኑ ብትግባር ተርኢ ኣላ ኢሎም፡፡
ብማስተዋል ኣሰፋ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!