Fana: At a Speed of Life!

ሃፍቲ ቡን መዕረፊ ቱሪዝም ንምግባር…

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃብቲ ቡን መዕረፊ ቱሪዝም ንክኾን ንምግባር ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ ኢሉ ሚኒስቴር ቱሪዝም።
ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝተሳተፍዎ ሃገራዊ ሰሚናር ቱሪዝም ቡን ይሳለጥ ኣሎ።
ፈፃሚ ስራሕ መስሕብ ልምዓት ቱሪዝም ኣብ ሚኒሰቴር ቱሪዝም ሙሳ ከድር ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ኣብታ ሃገር ካብ ዝተለመዱ መዕረፊታት ወፃኢ ዘይተረኣዩ ዕቑር ፍቲ ናብ ዕዳጋ ኣብ ምቕራብ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ቡን ታሪኻውን ባህላውን ምትእስሳር ዘለዋ ሃገር ምዃና ብምሕባር፤ ኣብቲ ዓውዲ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡
በቢ ከባቢኡ ዝርከቡ ሃፍቲታት ብምፍላይ፣ናይ ምፍላጥን ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሩ ምቕፃሉን ብምሕባር፤ሃፍቲ ቡን መዕረፊ ቱሪዝም ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.