Fana: At a Speed of Life!

ብኹሎም መዐቀኒታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘዕግብ ዕውትነት ኢኮኖሚ ተመዝጊቡ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጉዳያት ኢኮኖሚ ጠሚቶም ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት  ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ሪፎርም ካብ መንጎ ዝሓዞም ቀንዲ ቀንዲ ዕላማታት ቀደማይ ሰብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ምርግጋዕ ኢዩ ኢሎም።

ካልኣይ ድማ ኣንፈታት ኢኮኖሚ ካብ ግብርና ዝመርሖ ናብ ብዝሃ ዓውዲን ብዝሃ ተዋሳኣይን ብምስግጋር ፅርየት ዘለዎ ምዕባለ ምምዝጋብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ፅዕንቶ ዕዳ ኢትዮጰያ ምቅላል ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ብኹሎም መዐቀኒታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘዕግብ ዕውትነት ኢኮኖሚ ከምዝተመዝገበ ኣረጋጊፆም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.