ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚ ገፃት ዓለም ለኸ መራኸቢ ሓፋሽ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዓበይቲ ኢኮኖሚታት ካብ ዝሃነፃ ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ዓለም ለኸ መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ቅድሚት ገፀን እናፀብፀባ ይርከባ።
መንግስቲ መደመር ኢኮኖሚ ሃገር ንምዕባይ፣ ኣብ መዋቕር ዘለዉ ስብራታት ንምእራምን ሉኣላዊነት ንምርግጋፅን ብዙሓት ሃገር በቆል ምምሕያሻት ኢኮኖሚ ኣካይዱ እዩ።
መንግስቲ ዝተኸተሎ መገዲ ኢኮኖሚ ኣብ ምትሕብባር መንግስቲን ዘፈር ውልቀን ዝተመስረተ ኮይኑ፤ ብቐንዱ ኣብ ሓሙሽተ መሰረታዊ ዓንድታት ኢኮኖሚ ማለት እውን ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ ዘፈር መዓድንን ኣይሲቲ ወይ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ዘተኮረ እዩ።
ኣብዞም ዘፈራት ብዝተኻየዱ ተግባራት ከም ሃገር ውሕስና ምግቢ ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ፤ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ኢኮኖሚ ኣብ ኣፍሪካ ክትሃንፅ ኣኽኢልዋ እዩ።
እዚ ዕቤት ኢኮኖሚ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ መፅናዕትታትን ቁፅራዊ ሓበሬታታትን መሰረት ብምግባር መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ቅድሚት ገፀን ንልዑል ህንፀት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሽፋን ሂበንኦ ኣለዋ።
መፅሔት ቢዝነስ ዝኾነ ብሉምበርግ ከምዝገለፆ፤ ኣብ 2025/26 ዓ.ም.ፈ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት፤ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ናብ 210 ነጥቢ 7 ቢልየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝዓበየ ፅሒፉ።
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ኢኮኖሚታት ሓንቲ ምዃና ዝገለፀ ብሉምበርግ፤ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ፀሪሑ።
ቢዝነስ ኢንሳይድ ኣፍሪካ ብወገኑ፤ ኢትዮጵያ ብሚኒስቴር ብሄራዊ ስትራቴጂ ኣቢላ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር (GDP) መመሓየሺ መበገሲ ዓመት (GDP Rebasing) ከምዝገበረት ገሊፁ።
ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር 210 ነጥቢ 7 ቢልየን ዶላር ኣሜሪካ ወይ እውን 31 ነጥቢ 86 ትሪልየን ብር ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፤ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት እንትነፃፀር 59 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ሓለፋ ዘርኣየ ከምዝኾነ ፀብፂቡ።
ደቡብ ኣፍሪካ፣ ግብፂ፣ ኣልጀርያን ናይጀርያን ድማ ኣብ ኣፍሪካ ዓበይቲ ኢኮኖሚ ካብ ዘለወን ሃገራት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዛ ሃገራት ምዃነን ኣፍሊጡ።
ሲ.ጂ.ቲ.ኤን፣ ሮይተርስ፣ ኤ.ኤፍ.ፒ፣ ሲ.ኤም.ኤንን ቢዝነስ ዴይሊን ብዛዕባ ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሽፋን ዝሃባ ዓለም ለኸ መራኸቢ ሓፋሽ እየን።
ብሚኪያስ ኣየለ