ኣፈላላይና ብሓይሊ ጥራሕ ናይ ምፍታሕ ልምምድ ብስእነት ሰላም ንክንነብር ካብ መንጎ ዝገበሩና ሓደ ኢዩ -ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብስእነት ሰላም ንክንነብር ካብ መንጎ ዝገበሩናን ካብዘይተፈላለናዮምን ምኽኒያታት ቀዳማይ ካብ ጥንቲ ሒዝናዮ ዝመፃእና ኣፈላላይና ብሓይሊ ጥራሕ ናይ ምፍታሕ ልምምድ ኢዩ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሰላምን ፀፅታን ጠሚቱ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ብሓይሊ ፀገም ምፍታሕ ሓደ ካብ ጥንቲ ዝወሰድናዮ ሕማም ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ዘይተፈላለየና ናይ ባንዳነት ኣመል ኣሎ ብምባል፥ ባንዳነት የቑሰል እንበር ኣይቐትልን ኢሎም።
ናይ ፀላእትና ዘበን ዘይስዕሮ ዘይተቛረፀ ስግኣት ኣሎ ዝበሉ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ጀግና ዘለዋ ሃገር ብምዃና ቅንዕ እንተኢላ ፀገም ስለዝኸውን እንተይተሰአት ነትርፋ ዝብል ስግኣት ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ኣብ ኣኽሱም መናእሰይ እንትቕተሉ፣ ኣብ ዓድዋን ዓድግራትን ስርቂ ትካላትን ፋብሪካታትን እንትፍፀም ብዙሓት ሰባት ናብ ኤርትራ ልኢኽና ኢና፤ ዝተልኣኹ ሰባት ናብ ኤርትራ ዝኸዱ ህዝቢ ትግራይ ንከይንካእ ንምግባር ኢዩ ኢሎም።
ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅምን ዝጎድእን ነገር ዝሰርሐ መንግስቲ ዲዩ ወይስ ኣክራሪ ህወሓት ኢዩ ንዝብል ንህዝቢ ዝጎድእ ነገር ዝሰርሐ ኣካል ፅባሕ ታሪክ ከውፅኦ ኢዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ፕሪቶሪያ እንትፍረም መቐለ ንምእታው ሓደ መዓልቲ ኢዩ ተሪፉና ነይሩ፤ ነቲ ኲናት ስዒርና ኢና፤ መቐለ ምእታው ዓወት ኣይኮነን፣ ሰላም ይሓይሽ ናትና ህዝቢ ኢዩ ዝጉዳእ ብዝብል ኢዩ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ዝተፈረመ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ መብርሂኦም።
ዝተወሰኑ ኣመራርሓ ህወሓት ክሳብ ክንደይናይ ንህዝቦም ከምዝፀልኡ ርኢና ኢና፤ ንሕና ንደሊዮ ንህዝብና ብቕንዕና ምግልጋል ኢዩ ኢለም።
ህወሓት ብወተሃደር ኤርትራ ንከይዝረፍ እናሓለናዮ ፀኒሕና ናብ ክልል ኣምሓራ እንትኣቱ ቤት ትምህርቲ ኣቃፂሉ፤ ፋብሪካ ኣፍሪሱ፣ ባንኪ ዘሪፉ ኢዩ ኢሎም።
ንኢትዮጵያ ዘየቐደመ ናይ ፖለቲካ ስብእና ብዘላቕነት ኣብ ልዕሊ ናይባዕልና ህዝቢ ጉድኣት ዘምፅእ ኢዩ፤ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ዓቕሚ ብህንፀት ኢኮኖሚን ትካላትን ክነዕብዮ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።