ንባንኪታት ወፃኢ ዕድል ምሃብ ዓውዲ ፋይናንስ ሓዱሽ ቴክኖሎጂን ልምዲን ክረክብ ዝገብር ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪታት ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳተፉ ምግባሩ ዓውዲ ፋይናንስ ሓዱሽ ቴክኖሎጂን ልምዲን ሒዙ ዝመፅእ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ንኣባላት እቲ ባይቶ መብርሂ ሂቦም፡፡
ኣብ መብርሂኦም ድማ ዓውዲ ፋይናንስ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መንግስቲ መመሓየሺ ወለድ ከምዝገበረን ባንኪታት ብብሄራዊ ባንኪ ጥራሕ እናገበረኦ ዝነበራ ዕድጊት ሸርፊ ወፃኢ ብውልቀ እውን ንኽገብራ ከምዝተፈቐደ ገሊፆም፡፡
በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ባንኪታት ልዕሊ ፍርቂ ትሪሊዮን ብር ገንዘብ ኣንቀሳቒሰን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣብዚ እዋን ንባንኪታት ዝግበር ቀረብ ገንዘብ ብ10 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ዕቋር ብ44 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ኣልዒሎም፡፡
ንዝሓለፉ 20ን 30ን ዓመታት ባንኪታት ኢትዮጵያ በይነን ክሰርሓ ተገይሩ ኢዩ፥ ነግር ግን ኣብ ዘፈር ባንኪ ዝተረኸበ ልምዲ ብእኹል ኩነታት እናዓበየ ከምዘይመፅአ ገሊፆም፡፡
ብምዃኑ ድማ ናይ ወፃኢ ባንኪታት ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ምግባሩ ካፒታልን ቴክኖሎጂን ብምምፃእ ንዕቤት ዓውዲ ፋይናንስ ፅቡቕ ግደ ከምዝህልዎም ሓቢሮም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ባንኪታት ብሓፈሻዊ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለወን ብፅሒት ካብ 5 ክሳብ 7 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ናይ ወፃኢ ባንኪታት ዝተሳተፉሎም ናይ ካልኦት ሃገራት ባንኪታት ንሉል ብፅሒት ኢኮኖሚ ከምዘለወን ኣብሪሆም፡፡
ንሓሙሽተ ናይ ወፃኢ ባንኪታት ብሓሙሽተ ዓመት ውዕሊን 49 ሚኢታዊ ብፅሒትን ኣብ ዘፈር ባንኪ ክኣትዉ ፈቓድ ከምዝተውሃበ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ባንኪታት ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ከምዘየምፅእ ኣብሪሆም፡፡
ናይ ውሽጢ ሃገር ባንኪታት ካብ ዕቁብ ወፂአን ባንኪ ክኾና ኣለወን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ በቢሰፈሩ ባንኪ ካብ ምኽፋት ካፒታለንን ሓይሊ ሰበንን ብምእካብ ዓብዪ ዓቕሚ ንኽፈጥራ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ