Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ህይወትን ወታደራዊ ጉዕዞን ዝድህስስ “ድል ቁርሱ” ዝተብሃለ መፅሓፍ መርሃ ግብሪ ምረቓ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ህይወትን ወታደራዊ ጉዕዞን ዝድህስስ “ድል ቁርሱ” ዝተባህለ መፅሓፍ መርሃ ግብሪ ምረቓ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ እቲ መፅሓፍ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ነበር ፕሬዚዳንት ሙላቱ ተሾመ (ዶ/ር)፣ ላዕለዎት ወታደራዊ ጀነራላትን መኮንናትን፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

“ድል ቁርሱ” (ካብ ማእከል ሩባ ኩየራ ዝፈልፈለ ሊቅ ውግእ) ዝብል ኣርእስቲ ዝተፅሓፈ እቲ መፅሓፍ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ካብ ቁልዕነቶም ክሳብ ዕድመ ፍልጠቶም ዘሕለፍዎ ላዕሊን ታሕቲን፣ ንሃገሮም ዝገበርዎ ኣበርክቶ፣ ከምኡ’ውን ንኣደ ሃገሮም ካብ ፀላኢ ንምክልኻል ዝተውሃም ቆራፅ መሪሕነት ብውቁብ ስነ-ፅሑፋዊ ኣገላልፃ ይዘንተው።

ፀሓፊ እቲ መፅሓፍ ኣማን ታደሰ ኣብቲ ፅሑፉ “ካብ ማእከል ሩባ ኩየራ ዝፈልፈለ፣ ሰራዊት ምክልኻልና ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ዘሰጋገሩ ሊቅ ውግእ” ብምባል ተጋድሎኦም ይዝክር።

መፅሓፍ “ድል ቁርሱ” ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሰሜን እዚ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብሓበሬታን ብኣፍደገ ዕጥቅን ዝተዳኸመ ሰራዊት ብምእካብን መሪሕነት ብምሃብን ናይ ቁርፂ ግዜ ምዃኖም ይድህስስ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ዝተበታተነ ሰራዊት ከምበሓዱሽ ንምህናፅ ኣዝዩ ከቢድ እኳ እንተነበረ ብተግባር ብምፍፃም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓወት ከምዝኣበሰሩን እቲ መፅሓፍ ይገልፅ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.