ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ይሳተፉ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ብፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ዝምራሕ ልዑል ልኡኽ ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት እናተሳተፈ ይርከብ።
እቲ ጉባኤ “እምነት ምምላስ፣ ለውጢ ምምራሕ፤ ንኹሉ ዝሰርሕ ሕቡራት ሃገራት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ጌታቸው ረዳ ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ተሳቲፎም።
ኣብዚ መድረኽ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሃገራዊ ረብሓታታን ከምኡውን ረብሓታት ኣፍሪካን ዝምልከቱ ጉዳያት ንጡፍ ተሳትፎ ከም እትገብር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣረዲኡ።
እቲ ልኡኽ ምስቲ ጉባኤ ጎና ጎኒ ብዙሓት ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ዘተታት ከምዘካይድ እውን ተገሊፁ።