Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ዘበን ዝካየድ ምርጫ ሰላማዊ፣ ፍትሓዊን ሓቛፊን ንክኸውን  መንግስቲ  ይሰርሕ ኣሎ-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ዘበን ዝካየድ ምርጫ ሰላማዊ፣ ፍትሓዊን ሓቛፊን ከምኡ’ውን ካብ ዝሓለፈ ምርጫ ዝሓሸ ንክኸውን መንግስቲ ጠንኪሩ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ መበል 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መበል ሻውዓይ ሃገራዊ ምርጫ ጠሚቱ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት  ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን፥ ሎሚ ዘበን ዝካየድ ምርጫ ሰላማዊ፣ ፍትሓዊን ሓቛፊን ከምኡ’ውን ካብ ዝሓለፈ ምርጫ ዝሓሸ ንክኸውን መንግስቲ ጠንኪሩ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ምርጫ ብዝምልከት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለኒ ምላሽ ብውፅኢት ንርኣዮ ዝብል ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ይኹን እንበር ብርእሰ ተኣማንነት ክዛረቦ ዝኽእል እንተሃለወ እዚ ፓርላማ ብብዙሕ መገዲ ብዙሓት ድምፂታት ዝስመዐሉ ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ምርጫ ብሰላም ክካየድ ኢዩ፤ ኣብቲ ምርጫ ዝሳተፉ ሓይሊታት እውን ተረባሕቲ ክኾኑ ኢዮም ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.