ንኢትዮጵያ ንምጉዳእ ንባንዳታት ብገንዘብ ዝሕግዙ ሓይሊታት ይሃልዉ እምበር ኣይኽእሉዋን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኢትዮጵያ ንምጉዳእ ንባንዳታት ብገንዘብ ዝሕግዙ ሓይሊታት ስለዘይኽእሉዋ ንሳቶም እንትኸስሩ ንሕና ጉዕዞና ክንቅፅል ኢና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ንኣባላት እቲ ባይቶ መብርሂ ሂቦም፡፡
ናትና ሕርያ ብዘላቕነት ንፅባሕ ኣብ ዝሕክም ጉዳይ ምድሃብ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ነዚ ድማ ቀዳማይ መፍትሒ ብኢኮኖሚን ህንፀት ትካላትን ዓቕሚ ምትግባር ኢትዮጵያ ምዕባይ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ሃገራዊ ለውጢ እንትመፅእ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጦር ኣውሮፕላናት ኣገልግሎት ጠጠው ኣቢለን ምብራር ትኽእል ሓንቲ ሄሊኮፕተር ጥራሕ ከምዝነበረት ብምዝኽኻር፥ ሎሚ ልዕሊ ሚኢቲ ዝተፈላለያ ጦር ኣውሮፕላናት ተዓጢቑ ኢዩ ኢሎም፡፡
ባንዳ ካብ ምቑሳል ኣየሓልፍን፥ ምድላዋትና ንቁስሊ ዘይኮነስ ነቲ ዋና ዓምዲ ዝፈታተን ሓይሊ እንተመፂኡ ንኢትዮጵያ ንምፅናዕን ክትቅፅል ንምግባርን ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ፀላእትና ንባንዳ ካብ ዝኸፍሉዎ ዝበለፀ ሃፍቲ ምፍጣር እንተዘይክኢልና ብገንዘብ፣ ብሚዲያን ብዲፕሎማሲ ፅዕንቶ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ኣብሪሆም፡፡
መንግስቲ ኤርትራ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳያ እንተይፈትሐት ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ተልዕል ኣላ ዝብል ክሲ ከምዘቕርብ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ይኹን እምበር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢዱ እናኣተወ ዝርከብ መሰል ሓይሊ ካብ ተግባሩ ንኽእረም መፍትሒኡ ምብቃዕ ኢዩ ኢሎም፡፡
ንኢትዮጵያ ንምጉዳእ ንባንዳታት ብገንዘብ ዝሕግዙ ሓይሊታት ስለዘይኽእሉዋ ንሳቶም እንትኸስሩ ንሕና ጉዕዞና ከምንቕፅል የረጋግፅ ኢሎም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ