Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንኣጋይሽ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ልባ ከፊታ ኢዳ ዘርጊሓ ክትቕበል እያ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ንኣጋይሽ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ልባ ከፊታ ኢዳ ዘርጊሓ ክትቕበል እያ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ክቡራት ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሃገርና ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ክሳተፉ ዝመፁ ኣፍሪካውያን ንምትእንጋድ ልባ ከፊታ ኢዳ ዘርጊሓ ትቕበል እያ ኢሎም፡፡
እዚኦም ፈተውትና ቀለማት ባንዴራና ዝካፈሉ፣ ንኢትዮጵያ ከም ቀንዲል ነፃነት ዝርእያዋ ኢሉ እውን ንሃገርና ከም እምነ ኩርናዕ ፖለቲካዊ ራእይ ኣህጉር ገይሮም ዘኽብሩ እዮም ብምባል ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ብዘለዋ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣቀባብላ ንምንታይ ክትከብር ከምዝበቕዐት ነርእዮም፤ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክስምዖም ንግበር ኢሎም።
ብኽብሪ ንቕበሎም፤ ብፍቕሪ ነኽብሮም፤ ተደሚርና ነቲ ባንዴራና ዝውክሎ መንፈስ ሓድነት ኣፍሪካ ነቲ ሓባራዊ ሕልሚ ንሓድሕድና ዘራኽበናን ብሓባር ነብዕል ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪበቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.