ኣብ ከተማ ኣሰላ ማእከል ኣገልግሎት ሓደ መሶብ ስራሕ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ኣሰላ ብልዕሊ 200 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ማእኸል ኣገልግሎት ሓደ መሶብ ሎሚ ተመሪቑ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ክልል ኦሮምያ ፓርቲ ብልፅግና መንግስቱ በቀለ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ እቲ ማእኸል ብቴክኖሎጂ ዝሰርሕ ግልጋሎት ዝህብ ብምዃኑ ንተጠቀምቲ ዘጋጥሞም ምንግልታዕ ይቕንስ።
ኣብ ሓደ ቦታ ስራሕቲ ክትትልን ቁፅፅርን ንምግባር ዝምችው ብምዃኑ ተሓታትነት የስፍን ኢሎም፡፡
ከንቲባ ከተማ ኣሰላ ሰሜ ፀጋየ ብወገኖም ምጅማር እቲ ማእኸል ንኹሎም ነበርቲ ደረጃን ዝሓለወ እኹል ግልጋሎት ንምሃብ ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡
ብኦሊያድ በዳኔ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!