ብዛዕባ ኢራን እቶም መራሕቲ እንታይ ዘትዮም?
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሩስያዊ መዘንኦም ቭላድሚር ፑቲን ብስልኪ ዘተ ኣካይዶም።
ብመሰረት ሓጋዚ የክሬምሊን ዩሪ ኡሻኮቭ ከምዝበልዎ፤ እቶም መራሕቲ ኣብ ኢራን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ብዝግበር ዘሎ ድርድር ንምፍታሕ ዝኽእል ጉዳያትን ዘትዮም።
ክልቲኦም መራሕቲ ብስልኪ ዝገበርዎ ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ሓበሬታ ክሬምሊን ሓቢሩ፡፡
ፕሬዚዳንት ፑቲን ምስ ኢራን ዝተፈጠረ ጎንፂ ንምቁራፅ ዘኽእል ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምክረ ሓሳባት ምቕራቦም ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ኣሜሪካን እስራኤልን መብርሂ ሂቦም።
ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ኣመልኪቶም ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ደው ክብል ዘለዎ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፆም።
እቲ ዘተ ዘላቒነት ንክፍታሕ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ድልየት ከምዘለዎም ኣብ ዘትኦም ተገሊፁ።
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!