Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢራቕ ክልተ ነዳዲ ዝፀዓና መርከባት መጥቃዕቲ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢራቕ ኣብ ጀልባ ብዝተፀመደ ቦምብ ክልተ ነዳዲ ዝፀዓና መርከባት መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ኩባንያታት ወደብ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ሃገር ኣብ ከተማ ባስራ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ መርከባት ብሓዊ ከምዝተቓፀለን ህይወት ሓደ ሰብ ምሕላፉ ወደባት ኢራን ዘመሓር ኩባንያ ገሊፁ።
እቲ ሓደጋ ስዒቡ ኣብ መርከባት ዝነበሩ 25 ሰባት ህይወት ምድሓን ከምዝተኸኣለን ካልኦት ሰባት ንምድሓን ኣብ ኣለሻ ንሓደ በዓል ስልጣን እቲ ኩባንያ ብምጥቃስ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክልተ ኢራን ከምዝኾነ ኣብ ዝተኣመነሎም ክልተ ጀልባታት ብዝተፀመደ ቦንብ ምፍፃሙ ዝተገለፀ ኾይኑ፤ ተወሳኺ መርመራታት እናገበረ ይርከብ ተባሂሉ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ነዳዲ ኢራቕ ዝፀዓና መርከባት ሙሉእ ብሙሉእ ምንቅስቃሳት ደው ምባሉ ተገሊፁ፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.