ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ወደባት ነዳዲ ዝፀዓና መርከባት ሩስያ ዝተነበረ ማዕቀብ ብግዚያዊነት ኣልዒላ።
ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከምዘፍለጦ፤ ውሳነ ኣሜሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዝኣተውዎ ኩነታት ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋዕ ዝዓለመ እዩ።
ሓላፊ ግምጃ ቤት ኣሜሪካ ስኮት ቤሴንት÷ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ን30 መዓልቲታት ሃገራት ሩሲያ ነዳዲ ገዚኦም ክጥቀሙ የኽእል ኢሎም፡፡
ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ትራምፕ ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋዕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ እቲ ምምሕዳር ኣብ ዘውፅኦ ናይ ሓፂር ግዘ ትልሚ ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋዕ ነዳዲ ዝፀዓና መርከባት ዕድጊት ከካይዱ ፍቃድ ምሃቡ ሓቢሮም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!