ከንቲባ ኣዳነች በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ምኽንያት ብምግባር ልዕሊ 100 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት መኣዲ ኣካፊለን
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ምኽንያት ብምግባር ልዕሊ 100 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት መኣዲ ኣካፊለን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች÷ እቲ ሓገዝ ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ዓቕመ ደካማታት፣ ጉድኣት ኣካል ከምኡ እውን ጠዋሪን ሓጋዚን ንዘይብሎም ነበርቲ ከተማና ዝግበር ኢዩ ኢለን፡፡
እዚ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታትን ወረዳታትን እታ ከተማ እናተኻየደ ከምዝርከብ ኣመልኪተን፡፡
ኣብ እዋን ወርሒ ረመዳን እውን 27 ሺሕ ንዝኾኑ ወገናት ሙሉእ ወርሒ ኣብ 28ቲኦም ማእኸላት ምገባ ፕሮግራም ኢፍጣር ተሰናዲኡሎም ብፀይ ፀገም ከሕልፉ ገይርና ኢለን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!