ኣብ ሃገራዊ ሸቶታት ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ሓባራዊ ምርድዳእ ክህሉ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሃገራዊ ሸቶታት ንነዊሕ እዋን ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ሓባራዊ ምርድዳእ ክህሉ ይግባእ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
2ይ ጉባኤ ፖለቲካዊ ውድባት ኣፍሪካ “ምምሕዳር ዕብየት፤ ፖለቲካዊ ውድባት ንመፃኢ ዕድል ቁጠባ ኣፍሪካ ንድፊ ዘውፅኡ እዮም” ብዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብዚ ኣጋጣሚ ከምዝገለፅዎ፣ ሓሳብ መደመር ሓደሽቲ ነገራት ምጅማር ጥራሕ ዘይኮነስ ብኻልኦት ዝተጀመሩ ስራሕቲ እውን ናብ መዛዘሚኦም ንምብፃሕ ዝዓለመ እዩ።
ነዚ ንምግላፅ ድማ ዓቢዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ከም ኣብነት ብምሕባር፣ እቲ ፕሮጀክት ካብ ዝተሓሰበሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ዝተዛዘመሉ እዋን ኣብ ምዕዋቱ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኩሎም ኣካላት ኣመስጊኖም።
ፓርቲ ብልፅግና ካብ ዝሓለፉ እንታይ ተረኪበ ካብ ምባል ብተወሳኺ ንዝመፅእ ወለዶ ዘላቒ ኣሰር ገዲፍካ ምሕላፍ ትኹረት ከምዝህብ ኣመልኪቶም።
ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዝተሳተፉሉ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 56 ቢልዮን ፈልሲ ከምዝተኸለ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ንብድሆታት ብቐሊሉ ዘይስዓር ኣሰር ናይ ምግዳፍ ኣንፈት ምዃኑ ኣብሪሆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ክልተ ቁልፊ ጉዳያት ዘቕረቡ ኮይኖም፤ ገዛኢን ተናሓናቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ነዊሕ እዋን ሃገራዊ ሸቶታት ሓባራዊ ስምምዕ ክበፅሑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።
ብመሳፍንት ብርሌ