Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሃዩ ንዕውትነት ሃገራዊ ለውጢ ኣፍልጦ ዝህብ ድጋፍ ሰልፊ ተካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኤሊዳኣር ከተማ ሃዩ፣ ሃገራዊ ለውጢ ጋህዲ ዝኾነሉ 8 ዓመታት ኣመልኪቱ ንዝተረኸበ ዓወትን ውፅኢትን ኣፍልጦ ዝህብ ዓብዪ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፉ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ካብ መጋቢት ክሳብ መጋቢት ብዙሕ ዓወታት ከምዘመዝገቡ፤ ነቲ ብ24 መጋቢት ዝተመዝገበ ምሳልያዊ ጉዕዞን መሰረታዊ ስጉምትታትን ንኢዶም፡፡
ብለውጢ መንግስቲ እናተኻየዱ ዘለው ተግባራት ልምዓት ብምድጋፍ፤ ኣብ ቀፃሊ ዝሓሸ ስራሕ ንምስራሕ ምስ መንግስቲ ብቐፃልነት ከምዝሰርሑ ዘረጋግፁ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
በዙይ ድማ 24 መጋቢት ፍረ ምሳልያዊ ጉዕዞ፣ 24 መጋቢት መሰረት ምሳልያዊ ጉዕዞ፣ 24 መጋቢት ጥንኹር መሰረትን ምሳልያዊ ጉዕዞና፣ 24 መጋቢት ድማ ብልፅግና ወለዶታት ዝብል ጭርሖታት ኣስሚዖም።
ብተወሳኺ 24 መጋቢት መጀመርያን መሰረትን ለውጥን ብልፅግናን ኢትዮጵያ፣ 24 መጋቢት ብመስዋእቲ ዝመፀ፣ ብመስዋእቲ ክንከላኸለላ ኢና ዝብል መልእኽትታት ምሕላፎም ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ገሊፁ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.