ሕብረት ኣፍሪካ ብሕልፈት ሂወት ኣምባሳደር ቆንጂት ሰነጊዮርጊስ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕብረት ኣፍሪካ ብሕልፈት ነበር ዲፕሎማት ኣምባሳደር ቆንጂት ሰነጊዮርጊስ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ፡፡
እቲ ሕብረት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣምባሳደር ቆንጂት ኣብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ፈላሚት ኮይነን ዝነበራ ሂወተን ካብ ሃገር ብዝዘለለ ንኣህገሪቱ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍኦ ፓን ኣፍሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ ነይረን ኢሉ።
ብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጉዳያት ወፃኢን ዲፕሎማሲ ስራሕ ምሕላፈን ዝገለፀ እቲ ሕብረት፤ እዞም ተግባራት ንኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ዲፕሎማሰኛታት መገዲ ዝተኸፈተ እዩ ተባሂሉ፡፡
እተን ኣምባሳደር ኣብ ዘመነ ስልጣነን ረብሓታት ኣፍሪካ ንምሕላውን ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘይተሓለለ ፃዕሪ ድጋፍ ከምዝገብራ ብምሕባር፤ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳምነት ዝወሃቦም ናይ ሓባር ኣጀንዳታት ኣብ ምድንፋዕ ልዑል ተራ ከምዝተፃወትን ኣዘኻኺሩ።