Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኽሚ በጀት ካብ ምዃን ናብ መንቀሳቐስቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ተሰጋጊረን – ባንኪ ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኽሚ በጀት ካብ ምዃን ናብ መንቀሳቐስቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ይሰጋገራ ኣለዋ ኢሉ፡፡

እቲ ባንኩ ߵሸኽሚ በጀት ካብ ምዃን ክሳብ ኣንቀሳቐስቲ ዕድል ስራሕ፤ ስግግር ትካላት ልምዓት መንግስቲߴ ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘውፀኦ ፅሑፍ፤ ኣብቲ ዓውዲ ዝተረኸበ ዘደንቕ ለውጢ ኣብሪሁ፡፡

እዞም ኢንተርፕራይዛት ብዝረኽቡዎ ንዓመታት ርእሶም ምንቅስቓስ ኣብዩዎም ኣብ በጀት መንግስቲ ተወሳኺ ሸኽሚ ኮይኖም ከምዝፀንሑ ኣዘኻኺሩ፡፡

ቅድም ኢሎም ኣብ ዝነበሩ እዋናር ትካላት ልምዓት መንግስቲ ዝነበሮም ልዑል ኣታዊን መጠን ሃፍቲን ብግቡእ ናብ ኣትራፋይነት ንምልዋጥ ተፀጊሞም ከምዝፀንሑ ኣብቲ ፅሑፉ ፀሪሑ፡፡

እቶም ኢንተርፕራይዛት ብግቡእ ኦዲት ዘይግበሩ፣ ናይ ፋይናንስ ስርዓቶም ብእኑን ብግቡእን ዘይግምገሙ ከምኡ እውን ግልፂ ኣሰራርሓ ዝጎደሎም ከምዝነበሩ ኢዩ ተመልኪቱ ዘሎ፡፡

መሰረታዊ ፀገም እቶም ትካላት ብምፍታሕ ናብ ውፅኢታውነት ክሰጋገሩ ብዝወገኑ ስራሕቲ ሪፎርም ንዕድል ስራሕ ዘንቀሳቕሱ ሞተራት ንምዃን በቒዖም ክብል እቲ ባንኪ ሓቢሩ፡፡

ንኣብነት ድማ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ 120 ሚሊየን ዶላር (19 ቢሊየን ብር) ከስቢ ንመንግስቲ ኣታዊ ከምዝገበሩ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ድማ ኣብ በጀት መንግስቲ ዝነበረ ፅዕንቶ ብምቅላል ንመሃያ፣ ንቀረብ ኤሌክትሪክን ኣገልግሎት ህዝቢን ዝውዕል ተወሳኺ ፍልፍል ኣታዊ ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ኣመልኪቱ፡፡

ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ማሪያም ሳሊም ከምዝበለኦ፥ ኢትዮጵያ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣሰራርሓ ብምዝማን ኣብቲ ዓውዲ ዕቤት እናመዝገበት ትርከብ፡፡

እዚ ውፅኢት ጥንኩር ኣመራርሓ መንግስቲ ምስ ዝተሓሰበሉ ሓገዝ እንትጣመር ክንደይ ክኸውን ከምዝኽእል ዘመልክት ኢዩ ኢለን፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.