ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ኢኮኖሚ ዘሕድሮ ፅዕንቶ ንምፅዋር 10 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ፀዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ኣፍሪ ኤግዚም ብምኽንያት ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ሃገራት ኣፍሪካን ካሪቢያንን ዘሕድሮ ፅዕንቶ ንምፅዋር 10 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ፀዲቑ፡፡
እቲ ባንኪ “ገልፍ ክራይሲስ ሪስፖንስ ፕሮግራም” ብዝብል ዘፅደቖ ፕሮግራም ሓገዝ ኣብ ዓለም ለኸ ንግዲ ብፍላይ ምዕፃው ወሽመጥ ሆርሙዝ ዘስዐቦ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ ንምንካይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
መሰረታዊ ሸቐጣት ብፍላይ ድማ ከም ነዳዲ፣ ጋዝ፣ ቀረብ ምግቢ፣ ዘበናዊ ዱኽዒን መድሓኒትን ዝበሉ ኣድለይቲ ፍርያታት ቀረብ ከይቋረፅ ናይ ሓፂር እዋን ሓገዝ ገንዘብን ሸርፊ ወፃኢን ምግባር ቀንዲ ትኹረት እቲ ፕሮግራም ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ብምኽንያት እቲ ኲናት ንዝተዳኸሙ ዓውዲታት ቱሪዝምን ኣቪዬሽንን ህፁፅ ሓገዝ ምሃብ፣ ንኣፍሪካውያን ለኣኽቲ ኢነርጂን ጥረ ኣቑሑትን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ካብ ዘሎ ዋጋ ተወሳኺ ተጠቀምቲ ክኾኑን ናይ ምፍራይ ዓቕሞም ከዕብዩን ፋይናንስ ንግዲ ምቕራብ በቲ ፕሮግራም ትኹረት ተዋሂቡ።
ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ጆርጅ ኤሎምቢ (ዶ/ር)÷ እቲ ሓገዝ ሃገራት ኣፍሪካ ሕዚ ዘሎ ቅልውላው ብሰላም ንኻሳገራን ኣብ ቀፃሊ ንዘጋጥሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ድሉዋት ክኾኑን ዝሕግዘን ኢዩ ኢሎም።
እቲ ባንኪ ነቲ 10 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት ዞባዊ ትካላትን ብምትሕብባር ተግባራዊ ከምዝገብሮ ብፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ።
ብሶስና ኣለማየሁ