Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ መርሃ ግብሪ መመሓየሺ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓት ምምሕዳር ሃፍቲ ሰብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንምህናፅ ተሓሲቡ ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ ሰለስተ ዓመት ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ መርሃ ግብሪ ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ንምጥንኻር፣ ብቕዓት ስራሕን ውፅኢታውነትን ንምምሕያሽ ከምኡ እውን ምስ ዘበናዊ ጠለባት ዲፕሎማሲ ዝጠዓዓም ዓቕሚ ንምፍጣር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ን ተወካሊ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ልምዓት (ዩኤንዲፒ) ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙኤል ዶን ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሚኒስቴር ተረኺቦም።

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ውዳበ መንግስቲ ዝፀንሐ ኣሰር ዘለዎ ኢዩ።

ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ተግባራዊ ዝኸውን መመሓየሺ መርሃ ግብሪ፤ ብቕዓት ሓይሊ ሰብ እቲ ትካል ክእለት ሞያ ንምዕባይን ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ንመሃብን ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

ተወካሊ ዩኤንዲፒ ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙኤል ዶ ብግደኦም፤ እቲ ትልሚ መመሓየሺ ሃፍቲ ሰብ ንኽዕወት ዩኤንዲፒ ሓገዝ ቴክኒክን ስልጠናን ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዲፕሎማሲ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ብቕዓት ዘለዎ ሃፍቲ ሰብ ንምብርትታዕ ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.