ውድድር ጉያ ሓደ መዓልቲ አሰትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ ዘለዋ ሽም ደጊሙ ዘረጋገፀ ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ውድድር ጉያ ሓደ መዓልቲ አሰትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ ዘለዋ ሽም ደጊሙ ዘረጋገፀ ኢዩ ኢለን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ሎሚ ከተማና ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ውድድር ጉያ ሓደ መዓልቲ አሰትሌቲክስ ዓለም (Addis Ababa Grand Prix) ብድምቀት ኣተኣናጊዳ ኣላ ኢለን።
እዚ ዓወት ኣብ ከተማና ናይ ዝሃነፅናዮም ዘበናዊ መሰረተ ልምዓት ስፖርት ውፅኢት ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ሃገርና ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ ዘለዋ ልዑል ሽም ዳግም ዘረጋገፀ ኢዩ ክብላ ኣመልኪተን።
ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ጥራሕ እነተኣናግዶም ሰለስተ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ስፖርታዊ ፍፃመታት፣ ከተማና ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓለም ለኸ ውድድር ናይ ምትእንጋድ ብቕዓትን ደረጃ ምብፃሓ ዘርእዩ ኢዮም ኢለን።