ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ስምምዕነት 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዩሮ ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሴክሬታሪያት ኣጉራዊ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ስምምዕነት 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዩሮ ተፈራሪሞም።
ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያ- ሕብረት ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም ሴክሬታሪያት ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዝተፈራረሙዎ ስምምዕት 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዩሮ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።
ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።
እቲ ስምምዕነት ኣካል ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ንምትግባር ቀፃላይነቱ ንምርግጋፅን ንምጥንኻርን ዝተበረ ፖለቲካዊ ቆራፅነት ከምዘርኢ ተገሊፁ።
እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ከም ልዑል ምትእስሳር ቁጠባዊ ሃፍቲን ዘተ ንግዲን ዝበሉ መድረኻት ሓዊሱ ተሳትፎ በዓል ብዙሕ ወገን ዘዕቢ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ብመሳፍንት ብርሌ