Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነተን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ስትራቴጂካዊ ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነተን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን፡፡

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ እናተኻየደ ምስ ዝርከብ ኣኼባ እዋን ፅድያ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ጎና ጎኒ ምስ ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ሲኬላ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዱ።

እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ብዝበለፀ ንዕባይን ኣብ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ሓዱሽ ኣንፈት ንምቕማጥ ዝዓለመ ኢዩ።

በዚ ድማ ንመመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ፣ ምህዳር ኢንቨስትመንት ብዝበለፀ ንምምሕያሽ፣ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲን ቀፃሊ ብዝኾነ ሸቶታት ዕቤት ኢኮኖሚ ብሓባር ንምስራሕ ኣንፈት ተቐሚጡ።

ሕዚ እውን ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ዝፀንሐ ምሕዝነት ብምሕዳስ፣ ምትሕብባረን ናብ ጭቡጥን ልዑልን  ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ናብ ዘለዎም ውፅኢታት ንምቕያር ዘለዎም ቆራፅነት ምርግጋፆም ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣመልኪቱ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.