ፈረንሳይ ኩለመዳይ ዕቤት ኢትዮጵያ ምቕፃል ምትሕብባራ ክተጠናኽር ኢያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነተን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን፡፡
ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ እናተኻየደ ዝርከብ ኣኼባ እዋን ፅድያ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ጎና ጎኒ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ግምጃ ቤት ፈረንሳይ ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ርክብ ኢኮኖሚ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ዝምልከት ኣልዒሎም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ እተን ሃገራት ኣብ ልምዓት ዘለወን ምትሕብባር ምዕባይ፣ ምትሕብባር ማክሮኢኮኖሚ ዝዓብየሉ ኩነታት ከምኡ እውን ቀፃሊ ኣብ ዝኾ ዝኾነ ሓገዝ ሽግሽግ ዕዳ ኢትዮጵያ ትኹረት ዝገበረ ኢዩ፡፡
ክልቲኦም ወገናት ኣጀንዳ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ናይ ነዊሕ እዋን ምርግጋእ ኢኮኖሚን ንምድጋፍ ብወገን ባንኪ ዓለምን ኣይኤምኤፍን ኣቢሉ ተቐራሪብካ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ሓሳብ ተለዋዊጦም።